ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብልፅግና  ፓርቲ  ንክልል ትግራይ ጠመተ ዝገበሩ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ትግራይን ክኸፍት ምኻኑ ኣፍሊጡ


ብልፅግና ፓርቲ ንክልል ትግራይ ጠመተ ዝገበሩ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ትግራይን ክኸፍት ምኻኑ ኣፍሊጡ::

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ቋንቋን ስነ ጹሑፍን ዝኾኑ ኣይተ ነብዩ ገብረሚካኤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ክልል ትግራይ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝተመደቡ ተገሊፁ ኣሎ::

ውድብ ብልፅግና ንኣይተ ነብዩ ስሑልሚካኤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ክልል ትግራይ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝመደቦም ኣፍሊጡ:’ ሎ: እቲ ውድብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ኣዲስ ኣበባን ንብልፅግና ክልል ትግራይ ዘተሓባብሩ ኣብያተ ፅሕፈት ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ:: ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ መሓውር ውዳብኡ ዘጣየሸ ውድብ ብልፅግና ሎሚ ኣብቲ ክልል ኣብያተ ፅሕፈት ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ ኣሎ::

ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለምለኸን ውድብ ብልፅግና ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ቋንቋን ስነፅሑፍን ዝኾኑ ብነብዩ ስሑል ሚካኤል ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ኣይተ ነብዩ ገብረሚካኤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ክልል ትግራይ ብምዃን ተመዲቦም ኣለው ኢሎም። ብተወሳኺ ምደባ ኣመራርሓ ብልፅግና ክልል ትግራይ እውን ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ኣይተ ኣወሉ ናይ ካልኦት ኣመራርሓ ሽም ካብ ምፅራሕ ግና ተቖጢቦም።

ብቐፃሊ ኣወዳድባ እቲ ውድብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዉ ዞባታትን ወረዳታተን ከምዝካየድ ገሊፆም:: ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝህልዎም ተቐባልነት ተሓቲቶም "ህዝቢ ብፍርሒ ክነብር ተገይሩ እምበር ደጋፊ ውድብ ብልፅግና ምኻኑ ብዝገብርናዮ ዳህሳስ ተዓዚብና ኢና" ኢሎም::

ውድብ ብልፅግና ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ምርጫ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ከምዝሳተፍ ድማ ኣይተ ኣወሉ ገሊፆም:: ብልፅግና ኣብቲ ክልል መሓውሩ ንምውዳብ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ብደብዳበ ከምዘፍለጠ እውን ኣይተ ኣወሉ ገሊፆም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG