ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊክን ኣብ ጉዳይ ሰላም ጸቒጦም ብምዝራብ፤331 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሓገዝ ይመባጽዑ


▶ብሊክን ኣብ ጉዳይ ሰላም ጸቒጦም ብምዝራብ፤331 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሓገዝ ይመባጽዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:28 0:00

▶ብሊክን ኣብ ጉዳይ ሰላም ጸቒጦም ብምዝራብ፤331 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሓገዝ ይመባጽዑ

ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለው ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንናይ 500-ሽሕ ስቪላት ሞት ምኽኒያት ዝኾነ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዘቋረፀ ውዕል ሰላም ኣብ ምትግባር ከተኩሩ እዮም።ድሕሪ ናይ ኣዲስ ኣበባ መገሽኦም ብሊንከን ናብ ኒጀር ከምርሑ እዮም።

እቲ ደማዊ ግጭት ከብቅዕ ኣካል ናይ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ሓይልታት ትግራይ ታንክታትን ከበድቲ ኣፅዋራቶምን ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣረኪቦም።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ረቡዕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን እታ ሃገር ተራኺቦም ኣለው። ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶኣ ዝሃበት ሓንቲ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዋላ'ኳ እታ ሃገር ሰላም ዘይብላ እንተኾነት እውን ካብ ብሊንከን ቁጠባዊ ረድኤትን ‘’ንቡር ርክባትን’’ ክረኽቡ እዩ ተስፍኦም ትብል።

XS
SM
MD
LG