ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ድሕሪ “ውጽኢታዊ” ዑደት ኣዲስ-ኣበባ ናብ ኒጀር ኣምሪሑ


ሰሉስ ምሸት 14 መጋቢት 2023 ናብ ኣዲስ-ኣበባ ድሕሪ ምእታው ምስ በበይኖም ኣካላት መንግስቲን በርገሳውያን ማሕበራትን ዝዛተየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊከን፡ ዑደቱ ዛዚሙ ሎሚ ናብ ኒጀር ኣቀኒዑ ኣሎ። ብሊከን ካብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝነቐለሉ እዋን፡ “ኣብ ምስፋን ዘላቒ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ደሞክራሲን ዳግመ ሕውየትን ዘተኰረ ውጽኢታዊ ዑደት፡” ክብል ኣብ ናይ ትዊተሩ ገጹ ኣስፊሩ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ-ሰልጣን መንግስቲን ድሕሪ ምዝታይ፡ ንዳግመ ሕውየት ብኲናት ዝዓነወ ቍጠባን ሰብኣዊ ሓገዝን 331 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ዝተመባጽዐ ብሊንከን፡ ካብ መንጎ ብዙሓት’ውን ምስ ፈረምቲ ውዕል ፕሪቶሪያ ተራኺቡ ነይሩ። ብሊንከን፡ ብኽልተ ወገናት ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ነቶም ዛጊት ተተግቢሮም ዘለዉ ወሰንቲ ምዕባለታት እቲ ስምምዕ፤ ምቍራጽ ተጻብኦ፡ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምጅማር ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይን ዝብሉ ዛዕባታት ከም ዝዘተዩን ትስፉዎ ገስጋስ ከም ዝረኣየን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብሊንከን ድሕሪ ርክብ በበይኖም ኣካላት፡ ረቡዕ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣተባብዒ ምዕባለ ከይዲ ሰላምን ርግኣትን ከም ዝተዓዘበ ድሕሪ ምሕባር፡ ነቲ ብኲናት ተሃስዩ ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝሓትት ዳግመ-ህንጸት ሃገር ንምሕጋዝ ግን ዝያዳ ሓቛፊ፡ ኣሳታፊን ግሉጽን ከይዲ ንኽግበር ጸዊዑ።

ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ ንምምላስ ኢትዮጵያ ናብ ውዕል ናጻ ቀረጽ ኣጉዋ ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ብሊንከን፡ “ኢትዮጵያ ካብቲ ውዕል ዝተሰረዘት ነቶም መሰረታውያን ኣዕኑድ ስለ ዝጠሓሰት’ያ። ክትምለስን ዘይክትምለስን ድማ ኣባይ ዝውዳእ ዘይኰነስ ኣብ ባይታ እትገብሮ ለውጢ እንተልዩ ተመርሚሩ ብኻልእ ኣካል ዝውሰን’ዩ፡” ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሊንከን ምስ ሎሚ ሓሙስ 16 መጋቢት 2023 ምስ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም ።

ብሊከን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ፈለማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዝያዳ ኣብ ምምዕባሉ ክትሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያ ቀፃሊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘይህሉ ከተረጋግጽን ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ጎንፂ ንኹሉ ዝሓቖፈን ተኣማንነት ዘለዎን መሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ክትምስርት ከምዘለዋ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG