ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ይፍጽሙ


ከም ኣካል’ቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ዑደት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሰኑይ እስራኤል ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ናብ ምዕራባዊ ቓዛ’ውን ክበጽሑ መደብ ወጺኡ ኣሎ።

ብሊንከን ናብ እስራኤል ቅድሚ ምምራሖም ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደፈታሕ ኣልሲሲን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ሳምይ ሾክሪን’ውን ተራኺቦም ዘትዮም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝተራኸቡሉ፡ ን”ህልወናን ምክእኣልን ክልተ ሃገራት” ዝብል መርገጺ ኣመሪካ ክደግሙ ምዃኖም ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለሱ፡ ምምሕዳሮም ናብ ኣመና የማናዊ ጸግዒ ብምኻድ፡ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ንኽለዓል ድርኺት ኰይኖም’ዮም። ብሰንኩ ድማ ኣብ ክልተ ወገናት ንዘሎ ዝርርብ ሰላም ዝዕንቅፍ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ ምንጭታት ስክፍታኦም ይገልጹ።

ብሊንከን ኣብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዑደቶም ናብ ራማላሃ ብምጕዓዝ ምስ ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ካልኦት መራሕቲ ፍልስጤምን’ውን ክራኸብ መደብ ወጺኡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG