ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ምስ ፈረምቲ ውዕል ፕሪቶሪያ ተራኺቡ ዘትዩ


ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ንፍጻም ሰሉስ ኣማስያኡ ኣትዩ፡ ሎሚ ረቡዕ ምስ በበይኖም ኣካላት ተራኺቡ ዝዘተየ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ ከተምቲ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶሪያ’ውን ከም ዝተመያየጠ ካብ ቤት ጽሕፈቱ መግለጺ ኣነጺሩ። ብሊንከን፡ ብኽልተ ወገናት ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ነቶም ዛጊት ተተግቢሮም ዘለዉ ወሰንቲ ምዕባለታት እቲ ስምምዕ፤ ምቍራጽ ተጻብኦ፡ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምጅማር ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ከም ዘመልክቱን ትግባረ እቲ ስምምዕ ዘርእዩ ምዃኖምን መግለጺ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ይሕብር።

ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ካብ ዝተዘተይሎም ዛዕባታት፡ ዳግመ-ምጥያስ ሰራዊትን ምምስራት መሰጋገሪ ምምሕዳር ትግራይን ምዃኖም’ውን እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኣገዳስነት ተሓታትነትን ምስፋን ፍትሓውነትን ካብቶም ብዅላቶም ኣካላት ዝተዘርቡ ጉዳያት ምዃኖም’ውን መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓቢሩ።

ብሊንከን፡ ነቶም ፈረምቲ ኣካላት፡ ኣመሪካ ክሳብ መወዳእታ ዘለዋ ድጋፍን ንዘላቒ ሰላም ንምስፋን ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላፊና ምስራሕ ከም እትቕጽሎን ነቶም ተዛተይቲ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

XS
SM
MD
LG