ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ንከባቢ ፍሉይ ዞን ኣበርገለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ


ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዋግ ኽምራ ፍሉይ ዞን ከባቢ ኣበርገለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ከባቢ ሓዲጎም ናብ ከተማ`ቲ ዞባ ዝኾነት ሰቖጣ ምፍንቓሎም ካብኦም ገሊኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን፡ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር፡ ኣሸባሪ ጁንታ ኢሉ ዝጸውዖ ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ዓፋር ኩናት ምኽፋቱ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብሸነኽ ፈንቲ ረሱ ዞባ፡ ብወረዳ በያሎ ኲናት ምኽፋቱ ዝገልጽ እቲ መግለጺ፡ ምስ መንግስትን ህዝብን ኮይኑ ከምዝምክቶ ኣፍሊጡ።መግለጺ ክልል ዓፋር " ከም ወትሩ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና፡ ትንፋስ ወራሪ ከም ዝቑረጽ ክንገብር ኣለና" ይብል ።

አጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ዘዘራረቦ ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ በኸባቢ ዓፋር ስጉምቲ ዝወሰድና ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝመጹ ሓይልታት ናብ ዝመጽዎ ንምምላስ`ዩ ተሳኺዑልና`ዩ ኢሉ`ሎ ።

XS
SM
MD
LG