ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ በሰንኪ ኲናት ከቢድ ጉድኣት ከም ዘጋጠሞ ተሓቢሩ


ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ
ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ

ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ብሰንኪ ኲናት ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ስልጣን ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ኣፍሊጡ። ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ንሓለዋ ሓርማዝ ተባሂሉ ዝተሓጸረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ምስ ተወለዐ ናይቲ ፓርክ ሓለዋ ስለ ዝተቛረፀ ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ ሃብቲን፡ ትሕተ-ቅርጽን እቲ ፓርክ ከቢድ ዕንወት ከምዝተፈፀመ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ኣቶ ናቃቸው ብርሌው ገሊፆም።

ቅድም ክብል እቲ ፓርክ ብደረጃ ሃገር ብሃብቲ ዓጋዘን ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ ከምዝነበረ ዝገለፁ ሓላፊ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ኣቶ ታጠቅ ሻውል፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ብዝተፈፀመ ዘይሕጋዊ ሃደን ግን ዓጋዘን ምርኣይ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምብፅሑ ይሕብሩ።

ንሃብቲ ተፈጥሮ ካብ ፖለቲካ ፈሊኻ ብዘይምርኣይ እዚ ናይ ወያነ ፓርክ እዩ እናተባህለ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንዓጋዘን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ እንስሳት ዘገዳም ከም ዝሃለቑ ኣቶ ታጠቅ ሻውል ገሊፆም። እቲ ዝግበር ዝነበረ ሓለዋ ብምቍራፁን እቲ ሕዛእቲ ንመጓስነት ብምግልጋሉን እቶም ካብ ሃደን ዝተረፉ እንስሳት ዘገዳም ናብ ካልእ ከባቢ ከም ዝተሰደዱ ሓቢሮም።

ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ፓርክ ይፍፀሙ ዘለው ጨፍጫፍ ኣግራብ፡ ኳዕቲ ማዕድን፡ ምግፋሕ ሕርሻን ምፍራይ ከሰልን ነቲ ፓርክ ፈተና ከም ዝኾኑን ተገሊፁ።

በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝተፀለወ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ጥራሕ ከምዘይኮነ ዝገለፁ ኣቶ ናቃቸው ብርሌው፣ ካልኦት ፓርክታት ብፍላይ ድማ መዕቖቢ ሓራምዝ ባቢሌ ጉድኣት ከምዝበፅሖ ኣብሪሆም።

XS
SM
MD
LG