ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ክናዋሕ ዝቐረበ ሓሳብ ይቓወም


ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትሪን ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትሪን ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ

ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ክናዋሕ ዝቐረበ ሓሳብ ግቡእ ኣይኮነን ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትሪን ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተኣማንነት መንግስቲ ዝሽርሽር ብተወሳኺ ድማ ንሕገ መንግስቲ ዝፃረር ብምዃኑ ትኽክል ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፌደራል ኮሚሽን ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መነባብርኦም ናይ ምምላስ ስራሓት ብምሉእነት ኣይተፈፀመን ብምባል እቲ ስራሕ ቖፀራ ክናዋሕ ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG