ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ሹዱሽተ ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ኣልዒሉ


ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ሶማሌ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመር
ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ሶማሌ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመር

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ንሓደ ኣባል ካብነን ካልኦት ሓሙሽተ ሰበስልጣንን ካብ መዝነቶም ኣልዒሉ።ኣብ መንጎ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ሶማል ሙስጠፋ ዑመርን ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ናይቲ ክልል ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ዘሎ ኣፈላላይ ተራ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብቕድሚ ትማሊ ዝተሸሙ ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ኣብዱላሂ መሓመድ መውሊድ ሓድሽ ዝተሾሙ ላዕለዋይ መሪሕነት ንሶም ጥራሕ ምዃኖምን ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ንምትካእ ግን ዋና ኣማሓዳሪ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመርን ኣቦ ወንበር ሶህዴፓ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ክሳብ ዝሰማምዑ ሰብ ኣይተመደበን ኢሎም።ብዛዕባ እቶም ዝተልዓሉ ክዛረቡ ከለው ከምዚ ኢሎም።

“ሽዱሽተ ሰባት እዮም ካብ ስልጣኖም ተላዒሎም።ሰለስቲኦም ናይቲ ፕረዚደንት ኣማኸርቲ እዮም። “

ኣማኻሪ ሚዲያ ዋና ኣማሓዳሪ ዝኾኑ ኣቶ ኣብዱላሂ ሁሴን ምስ ኢሳት ከምኡ እውን ኣማኻሪ ሕጊ ርእሰ ኣማሓዳሪ ዝኾኑ ኣቶ ጀማል ድሪየ ምስ ካልእ ዜና ማዕኸን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብዘካየድዎም ቃለ ምልልሳት ኣቶ ኣሕመድ ሺዴ ንኣቶ ሙስጠፋ ዑመር ካብ ስልጣኖም ንምልዓል እናፈተኑ እዮም ክብሉ ከሲሶም ነይሮም።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚንኬሽን ኣቶ ኣብዱላሂ ግን ኣብ መንጎ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ዋና ኣማሓዳሪ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመርን በዚ ደረጃ ዝግለፅ ዘይምርዳዳእ የለን ይብሉ።

“ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እምበር ካልእ ኣፈላላይ የለን።እቲ ለውጢ በዚ መንገዲ ንውሰዶ፣ኣይኮነን በዚ መንገዲባ ይሕይሽ ዝብል ኣፈላላይ እምበር ኣብ መንጉኦም ካልእ ፍልልይ የለን።”

ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣቶ ዓብዲ መሓመድ ዑመር ወይ ዓብዲ ኢሌ ብኣቶ ሙስጠፋ ድሕሪ ምትክኡ ኣብቲ ክልል ዝተርኣየ ገለ ምም ሕ­­­ያሽ ኣብ መንጎ ሚንስትር ምትሕብባር ፋይናንስን ቁጠባን ዝኾኑ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ሶማሌ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመርን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዝተጀመረ ለውጢ ንድሕሪት ከይምልሶ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG