ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዝተጀመረ ኣፋፍኖት ፍትሕን ዴሞክራስን ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት መንግስቲ ኣይዕገሶምን ክብሉ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም


ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ዘሎ ናይ ፍትሕን ዴሞክራስን ኣፋፍኖት ንምዕንቃፍ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት መንግስቲ ኣይዕገሶምን ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ልዕሊ ክልተ ሽሕ ላዕለዎትን ማእኸሎትን ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ብኣዴን እዮም ።

ብኣዴን ኣገዳሲ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን ዘጋጠሞ ዓቕሚ መሪሕነት ንምፍታሽን ንምትካእን ኣብ ናይቲ ክልል ዋና ከተማ ባህርዳር ቅድመ ጉባኤ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብዚ ንጋዜጠኛታት ዕፁው ኣብዝኾነ ጉባኤ ዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብፅሑፍ ኣብዝተዘርግሐ መግለፂኦም ሕቶታት ፍትሕን ዴሞክራስን ንምምላስ ብሃገርለኸ ደረጃ ዝተርኣየ ኣፋፍኖት ፍትሕን ዴሞክራስን ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ድሕሪ ሕዚ መንግስቲ ኣይዕገሶምን እዩ ኢሎም ።

ይርኣዩ ዘለው ለውጥታት ስዒቦም መብዛሕትኡ ብሄር ተኮር ዝኾኑ መጥቓዕትታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍፀም መጥቓዕቲ እናወሰኹ ምምፅኦም ናይቲ ህዝቢ ሰላም፣ነፃነትን ናይ ምንባር ውሕስነትን ካብ መሰረቱ የናውፅዎ ብምህላዎም ድሕሪ ሎሚ መንግስቲ ከምዚኦም ንዝኣመሰሉ ተግባራት ፈፂሙ ኣይዕገስን እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG