ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ፈደራል ፖሊስ ኣብ ጉዳይ ሜ/ጀነራል ክንፈ ዝሓተቱ ተወሳኺ ናይ ምርመራ መዓልታት ተቐቢልዎ


ፌደራል ፖሊስ ብከቢድ ናይ ብልሽውና ገበን ንዝተጠርጠሩ ሜጄር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ተወሳኺ ናይ ምርመራ ግዜ ክውሃቦ ንቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ሕቶ ተፈቒዱሉ።እቲ ቤት ፍርዲ ብከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝተጥርጠሩ ኣቶ ተስፋየ ኡርጌ እውን ተመሳሳሊ ውሳነ ሂቡ’ሎ።

ፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ናይ ሜቴክ ዋና ዳይሬክተር ዝነበሩ ሜጄር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝጀመሮ ምርመራ ሎሚ እውን ተወሳኺ 14 መዓልታት ሓቲቱ።ናይ ተጠርጣሪ ጠበቓታት ዘቕረብዎ ተቓዋሞ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ክፍሊ ግብረ ሓይሊ ፀረ-ሽብር ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣቶ ተስፋየ ኡርጌ ፖሊስ ተወሳኺ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ግዜ ሓቲቱ እቲ ቤት ፍርዲ ፈቒዱ’ሎ።ቤት ፍርዲ ን22 ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ቆፅሮ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG