ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ ብዋሕስ ክፍታሕ ዘሕለፎ ውሳነ ዓቃብ ሕጊ ይግባይ ምባሉ ጠበቓኡ ገሊጾም


 ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ
ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ

ዓቃቢ ሕጊ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ብዋሕስ ተፈቲሑ ጽሑፍ ምጽሓፉ ዝቅጽል እንተኾይኑ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ክወስድ እየ ምባሉ ንቤት ፍርዲ ከም ዘፍለጠ ጠበቓ እቲ ጋዜጠኛ ገሊጾም።

ጉዳይ ምሃብ መሰል ዋሕስ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ንምርኣይ ሎሚ ተጋቢኡ ዝነበረ ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ 2ይ መጋባእያ ገበን ተለዋጢ ቆጸራ ምሃቡ ጠበቅኡ ኣቶ ሄኖክ ኣኽሊሉ ገሊጾም'ለዉ።

ብኻልእ ዜና ቅድሚ ሰሙን ብሓይልታት ጸጥታ ዝተታሕዘ ጋዜጠኛ ኣልኣዛር ተረፈ ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተለዋጢ ቆጸራ ከምዝተዋህቦ ጠበቅኡ ኣቶ መሰረት የኔንህ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG