ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጉዳይ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ምርኣይ ጀሚሩ


ፍርዳዊ መስርሕ እቶም ብሰንኪ ዘርኣዩዎ ኣብያ ምትሕብባር ን15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ዝተወስዱ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ሎሚ ሰኑይ ምጅማሩ ተፈሊጡ። ድሕሪ’ቶም ፕረዚደንት ነበር ንማእሰርቲ ምውሳዶም፡ ብሰዓብቶም ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ እታ ሃገር ኣብ ሕምስምስ’ያ ዘላ።

ዙማ ዝቐረበሎም ክሲ፡ ኣብ 1999 ምስ ዕደጋ ኣጽዋር ናይ ፈረንሳይ ትካል ዝተሓሓዝ ጉቦን ሰፊሕ ምጥፍፋእን’ዩ። እቶም ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ መስርሕ ፍርዲ፡ ብመራኸቢታት ማዕዶ ክከታተሉ ምዃኖም ትጽቢት ይገብር።

XS
SM
MD
LG