ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕክምናዊ ምሕረት ፕረ.ነበር ዙማ ዘይሕጋዊ ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ሕክምና ብምሕረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፅሉ መንገዲ ዘይሕጋዊ’ዩ ብምባል ናብ ቤት ማእሰርቲ ተመሊሶም ፍርዶም ክውድኡ ኣለዎም ክብል ሓደ ቤት ፍርዲ ሰማዒ ይግባይ ኣፍሊጡ።

80-ዓመት ዝዕድሚኦም ዙማ ኣብ ልዕሊ ቤት ፍርዲ ንዕቀት ኣርእዮም ብዝብል ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ን15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎም። እቲ ውሳነ ሞት ዘስዓበ ዘይምርግጋእ ኣስዒቡ ኔሩ’ዩ። እንተኾነ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ምስ ተኣስሩ ዛጊት ብዘይተነፀረ ምኽንያት ሕክምና ብምሕረት ክወፁ ተገይሩ’ዩ።

ሓደ ኮሚቴ ሕክምና ዙማ ነቲ ምሕረት ክወሃቦም ዘኽእል ኩነታት ኣየማልኡን'ዮም ዋላ’ዃ እንተበለ ሓላፊ ኣገልግሎት ኣብያተ ማእሰርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ፕረዚደንት ነበር ዙማ ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ክወፁ ጌሮም’ዮም።

“ሕጂ እዚ ቤት ፍርዲ ዙማ ብምኽንያት ሕክምና ዝተዋህቦም ምሕረት ዘይሕጋዊ’ዩ ኢልዎ’ሎ” ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰማዒ ይግባይ ኣፍሊጡ’ሎ። ሚስተር ዙማ ፍርዶም ኣይወድኡን ስለዚ ንዝተፈረዶም ግዜ ንኽፍፅሙ ናብ ቤት ምእሰርቲ ኽምለሱ ኣለዎም ኢሉ’ሎ። ዙማ ብኻልእ ክሲ ብልሽውና’ውን ተኸሲሶም’ዮም።

XS
SM
MD
LG