ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ: ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክርአ ወሲኑ


ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ ናይ ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ጉዳይ ኣብ ዘየለውሉ ክርአ ወሲኑ።

ስልጣኖም ብዘይ ኣገባብ ተጠቒሞም ብዝብል ዓቃቢ ሕጊ ብከቢድ ናይ ብልሽውና ገበን ካብ መንጎ ዝኸሰሶም 26 ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን ብጋዜጣ ተፀዊዖም ዘይቀረቡ ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ጉዳዮም ኣብዘየለውሉ ክርአ ቤት ፍርዲ ወሲኑ’ሎ።

ጉዳዮም ብዘየለውሉ ክረአ ዝተወሰነ ብማዕረግ ሚንስትር ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ዝነበሩ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ ኣቶ ኣፅብሃ ጊደይ፣ኣቶ ኣሰፋ በላይን ኣቶ ሽሻይ ልኡልን እዮም።

ቤት ፍርዲ ዓቃቢ ሕጊ መሰኻኽር ከቕርብ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG