ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኮሞሮስ ንፕረዚደንት ነበር ኣሕመድ ዓብደላህ ሳምቢ፡ ብክሕደት ሃገር ንሕልፈት ማእሰርቲ ይፈርድ


ንፕረዚደንት ነበር ኣሕመድ ዓብደላህ ሳምቢ- ፋይል
ንፕረዚደንት ነበር ኣሕመድ ዓብደላህ ሳምቢ- ፋይል

ሓደ ቤት ፍርዲ ኮሞሮስ፡ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ዝነበረ ኣሕመድ ዓብደላህ ሳምቢ ብገበን ክሕደት ሃገር ንዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎ። ገበኑ ድማ ፓስፖርትታት እታ ሃገር ንማእከላይ ምብራቕ ይሸይጥ ኔሩ ዝብል ኮይኑ`ሎ።

ኮሞሮስ ካብ ሞዛምቢክ ውጽእ ኢላ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትርከብ ደሴታዊት ሃገር`ያ። ኣሕመድ ዓብደላህ ሳምቢ ነታ ሃገር ካብ 2006 ክሳብ 2011 ንሓሙሽተ ዓመት መሪሕዋ። ንሱ ብ ብክሲ ብልሽውና ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ድማ ቤት ፍርዲ ጸጥታ`ታ ሃገር ንዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎ፡ ፓስፓርት`ታ ሃገር ንደቂ ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥን እናሸጥካ ሚልዮናት ዶላራት ትእክብ ኔርካ ዝብል ክሲ`ዩ ተመስሪትዎ።

እቲ ወዲ 64 መራሒ ኮሞሮስ ነበር፡ኣብ ልዕሊኡ ብይን ክመሓላለፍ ከሎ፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኣይነበርን። ፍትሓዊ ፍርዲ ኣይረክብን`የ ብምባል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝነበረ መስርሕ ቃለ-ምስክርነት`ውን ኣይተረኽበን።

ጃን ፈርሞን ጠበቕኡ`ዩ፡ እቲ መስርሕ ኮነ እቲ ብይን ፡ ሕጋዊ ኣይኮነን ይብል፡

"ክቋረጽ ዝነበሮ ጉዳይ`ዩ። እቲ ክሲ ክቐርብ እንተኾይኑ ከኣ ብውሕዱ ብመሰረት ሕጊ'ታ ሃገር ኣብ ስሩዕ ቤት-ፍርዲ`ዩ ክቐርብ ኔርዎ። ብመሰረት ሕጊ'ታ ሃገር ናብ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ እንተዝኸውን ፕረዚደንት ሳምቢ ናጻ ከምዝብሃል ንጹር`ዩ፡ ምኽንያቱ ጥር ትብል መረዳእታ የለን።”

ኣብ ልዕሊ ሳምቢ ዝተመስረተ ክሲ፡ ንወጻእተኛታት ፓስፖርት ክሸይጥ ሚልዮናት ዶላራት ኣጨበርቢሩ ዝብል`ዩ። ጠበቕኡ ፈርሞን ግን እቲ ብይን ፍትሓዊ ስለዘይኮነ ፍትሒ ንምድላይ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ መድረኽ ክንወስዶ ኢና ይብል።

"ነዚ ጉዳይ ናብ ዓለማዊ መድረኽ ክንወስዶ ኣለና። ናብቲ ኣብ ጀነቫ ዘሎ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ብምውሳድ ብስርዓት ፍትሒ ፈረንሳ ክንዳነ ኢና ንደሊ ዘለና። ምኽንያቱ ናይ ሓሶት ምስክርነት ዓዲግካ ፍርዲ እናተዋህበ`ውን ኣብ ሕጊ ኮሞሮስ ይግባኝ ክትብል ኣይክኣልን`ዩ። ስለዚ ፍትሒ ንምድላይ ኪነው ኮሞሮስ ካብ ምኻድ ካልእ ምርጫ የብልናን።”

ካልእ ምስኡ ዝተኸሰሰ ባሻር ኪዋን ዝብሃል ፈረንሳዊ ሶርያዊ ነጋዳይ፡ ኣንጻር ሳምቢ ክምስክር ብመንግስቲ ኮሞሮስ ጸቕጢ ከምዝተገብረሉ ንመንግስቲ ፕረዚደንት ኣዛሊ ኣሶማኒ ይጥቅን። ንሱ ኣብ ልዕሊ ሳምቢ ክምስክር ከም ለውጡ ድማ ብምሕረት ክወጽእ ከምዝተገብረ`ዩ ዝጠቅስ። ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኮሞሮስ ግን ነዚ ኣበሃህላ`ዚ ይነጽጎ።

ፕረዚደንት ኮሞሮስ ዝነበረ ሳምቢ፡ ኣብ 2011 ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ስርዓት ሃዊኽካ ተባሂሉ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝኸውን ተገይሩ ኔሩ`ዩ። ኣሕመድ ዓበደላ ሳምቢ፡ ኣያቶላህ ናይ ኮሞሮስ ዝብል ቅጽል ሽም`ውን ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG