ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኬንያ ምስ መጥቓዕቲ ዌስትጌት ብዝተሓሓዝ ንክልተ ውልቀሰባት ፈሪዱ


ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ 2013 67 ሰባት ዝሞትሉ ኣብ ናይሮቢ ኣብዝርከብ ማእኸል ዕዳጋ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተሓጋገዝቲ ኔሮም ንዝበሎም ክልተ ሰባት ገበነኛታት ከምዝኾኑ ውሳነ ኣሕሊፉ።

መሓመድ ኣሕመድ ዓብዲን ሑሴን ሓሳን ሙስጣፋን ግብረ ሸበራዊ መጥቓዕቲ ክፍፀም ውዲት ፈፂሞም ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሎም ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ 2013 ኣብ ዌስትጌት ማእኸል ዕዳጋ \ሞል\ ድሕሪ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ፍርዲ ክወሃብ እዚ ፈላማይ እዩ።

እቲ መጥቓዕቲ ብናይ ሶማል ዕጡቓት ኣል ሸባብ እዩ ተፍፂሙ።

XS
SM
MD
LG