ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ከተማ ቡራዩ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት መሪሕነት ኦነግ ክፍትሑ ምውሳኑ ጠበቓኦም ገሊጹ


ኣብ ቡራዩ ተኣሲሮም ዘለው ኣባላት መሪሕነት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንክፍትሑ፣ ናይ’ታ ከተማ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ፣ ጠበቃ’ቶም እሱራት ገሊጾም።

እንተኾነ እዚ ዜና’ዚ ክሳብ ዝተፈነወሉ ሰዓት፣ እቶም እሱራት ከምዘይተፈትሑ ጠበቃ'ቶም እሱራት ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

ኣቐዲሙ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ሕጊ ዝተኣሰሩ ኣመራርሓ ኦነግ ብህጹጽ ይፈትሑ ኢሉ ሽሞም ካብ ሞንጎ ዝጠቀሶም ሰባት ገሊኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቡራዮ ከምዝርከቡ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG