ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ዘቕረብዎ መሰል ዋሕስ ነጺግዎ


ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ዘቕረብዎ ናይ ዋሕስ መሰል ቤት ፍርዲ ሎሚ ሓሙስ ነጺግዎ።

ክልቲኦም ተጠርጠርቲ ሕቶ መሰል ዋሕስ ዘቕረቡ ነቲ ጉዳይ ይከታተል ናብ ዘሎ ናይ ባህርዳርን ከባቢኡን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዩ።እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ይካየድ ዝነበረ ምርመራ መዝገብ ተወዲኡ ተዓፅዩ ስለዘሎ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክሲ ክምስርት ከምዘለዎን ንሳቶም ድማ ናይ ዋሕስ መሰሎም ክሓቱ ከምዝኽእሉን ብመሰረት ዝሃቦ ውሳነ እዩ።

ተኸሰስቲ እቲ መርማሪ ጉጅለ ንኽሲ ዘብቅዕ መረዳእታ ኣይረኸበን ንሕና ነፃ ኢና ብነፃ ድማ ክንፍታሕ ኣለና ክብሉ ከለው እቲ መርማሪ ጉጅለ ብወገኑ ኣብዘቕረቦ ተቓውሞ ሕጊ ፀረ ብልሽውና ዝተጥርጠርሉ ገበን ካብ 10 ክሳብ 25 ዓመት ማእሰርቲ ወይ ድማ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 400 ሽሕ ብር ዘቕጽዕ ብምዃኑ ናይቶም ተጠርጠርቲ ናይ ዋሕስ መሰል ይኽእልክል እዩ ክብል ተቓውሞ ኣቕሪቡ።

ቤት ፍርዲ ብክልቲኦም ወገናት ንዝቐረበ ሙግት ድሕሪ ምስማዕ በመሰረት ሕጊ ፀረ ብልሽውና ዝተጠርጠርሉ ገበን ከቢድ ብምዃኑ ንዝቐረበ ናይ ዋሕስ መሰል ነጺግዎ’ሎ።

XS
SM
MD
LG