ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ከተማ ኩሓ ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝጸንሑ 11 ሰባት ክፍትሑ ወሲኑ


ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኩሓ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብምባል ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝጸንሑ 11 ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርድ ኣዚዙ::

ካብቶም ተጠርጠርቲ ኣባል ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ኣይተ ፅጋቡ ቖባዕን መምህር ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ነብዩ ስሑልሚኪኤል ይርከብዎም::

ሎሚ ሶኑይ ንራብዓይ ግዜ ኣብ ቤትፍርዲ ክፍለ ከተማ ኩሓ ዝውዓለ መጋባእያ ዝቐረበ ጉዳይ ተጠርጠርቲ ፖሊስ ምርመራ ዛዚሙ ንዓቃቢ ሕጊ ከምዘቕረበ ገሊፁ:: እቶም ጥርጡራት ብክስታት ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ፡ ፀረ ሕገመንግስቲ ኮይንኻ ብምንቅሳቀስ: ናይ ሓሶት ወረታት ብምንዛሕን ኣንጻር ህዝብን መንግስትን መናእሰይ ብምልዕዓል ኣብ ቐይዲ ምጽንሖም ፖሊስ ሓቢሩ።

ተኸሰስቲ ጉዳዮም መሰል ዋሕስ ዘየኸልኽል ብምዃኑ እቲ መጋባእያ ነቲ ክትዕ ርእዩ ንነፍስ ወከፍ 20 ሽሕ ብር ዋሕስ ኣቕሪቦም ክፍትሑ ወሲኑ:: ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቃሳቒሶም ኢሉ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዘውዓሎም ኣባል ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ኣይተ ፅጋቡ ቖባዕን ኣብ ዪኒቨርሰቲ መቐለ መምህር ኮይኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ እንደርታን ከባቢኡን ዝነብር ህዝቢ ይብደል ኣሎ እዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ዝጽሕፍ ዝነበረ ነብዩ ስሑልሚኪኤል ይርከብዎም:: ተኸሰስቲ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ::

እቶም ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰነሎም ተጠርጠርቲ እዚ ዜና ክሳብ ዝተዋደደሉ እዋን ኣይተፈትሑን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG