ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ ናብ መረጽቲ መሊስዎ'ሎ


ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ ናብ መረጽቲ መሊስዎ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:46 0:00

ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ ናብ መረጽቲ መሊስዎ'ሎ

ኣመሪካውያን ምንፃል ጥንሲ መዓስን ከመይን ሕጋዊ ክኸውን አብ ዝብል ንዓሰርተታት ዓመታት ተኸፋፊሎም ፀኒሖም እዮም።ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መሰል ምንፃል ጥንሲ ብምልዓል ነቲ ጉዳይ ናብ መረፅቲ መሊሱዎ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን አብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝተፈፀሙ ዝለዓለ ሳዕቤን ዘለዎ ውሳነታት ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፤ ሕገመንግስታዊ መሰል ምንፃል ጥንሲ(ROE V WADE) ብምቁራፅ እቲ ውሳነ ብነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት ኣመሪካ ክውሰን ምምላሱን ብኡ አቢሉ ድማ ፕረዝዳንት ጆ ባይደን ስጉምቲ ክወስዱ ዝመርሐ ውሳነ እዩ።

"እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሓ ሕጊ ይህቦ ዝነበረ ሓለዋ ሕጊ ናይዛ ሃገር ኮይኑ ከገልግል ናብቲ ዝነበሮ ክንመልሶ ኣለና።ነዚ ዘፈፅሙ ሰበስልጣን ክንመርፅ ኣለና።ኣብዚ ሓጋይ ንምርጫ ክቕርብ ኣለዎ።ውልቃዊ ናጽነትና ኣብ ምርጫ ኣትዩ ኣሎ።"

ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ምንፃል ጥንሲ ዝተፈጥሩ ዘይምስምማዓት ዴሞክራሲያውያንን ሪፐብሊካንን መረፅቲ ናብ ጣብያታት ምርጫ ክግዕዙ ኣተባቢዕዎም እዩ። ኣብ ምርጫ 2016 ደገፍቲ ህይወት ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምሻም ዝብል ቀንዲ መብጽኦዖም ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃዉስ ከምርሑ ኣኽኢሉዎም እዩ።

"ንህይወት ዝድግፉ ዳያኑ አብ ቤት ፍርዲ ኣቀ፟ሚጠ አለኹ፤ ነናብ ክፍለ ግዝኣቱ ክምለስ እዩ።"

ትራምፕ አብ ስልጣን እናሃለዉ ሰለስተ ዳያኑ ጠቅ፟ላሊ ቤት ፍርዲ ዝሾሙ ኮይኖም ነፍሲ ወከፎም ኣካታዒ ሕጊ ሮው ዋደ ከምዘደቅሱዎ ቃል እኳ እንተኣተዉ ደሓር ግን ንኽለዓል ድምፆም ካብ ዝሃቡ ኮይኖም ተረኺቦም እዮም።

ሕጂ'ውን ምስ ምምላስ ሮው ዓቃባውያን መረፅቲ ናብ ምርጫ ጣብያታት ክኸዱ ዶ ይኾኑ፧

አባላት ቤትምኽሪ ዓቃባውያን ግን ሕጂ'ውን ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ዝተርፈና ቃልሲ ኣሎ ይብሉ። አባል ቤት ምኽሪ ሪፐብሊካን ስቲቭ ስካሊስ እቲ ስራሕ ገና ሕጂ እዩ ዝጅምር ዘሎ ብሰንኪ ጠቅ፟ላሊ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ዝበለፀ ህይወት ክንዕቅብ ነቲ ጥንሲ ናይ ምንፃል ሕጊ ብምምላስ ክፍለ ግዝኣታትን ቤት ምኽርን ህይወት ከነድሕን ነቲ ውሳነ ከነማሓይሽ ን50 ዓመታት ዘይረኸብናዮ ዕድል ሂቡና እዩ ኢሎም ።

ሰባት እዚ ውሳነ ንመፃኢ አብ ክፍለ ግዝኣታት ምክፍፋላት ከምፅእ ከምዝኽእል ይሕብሩ ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዩኒቨርሲቲዩኒቨርሲትይ ሞንማውዝ ዘውፀኦ ርእይቶ ህዝቢ ከምዘርእዮ 48% ዴሞክራሲያውያን መረፅቲ መሰል ምንፃል ጥንሲ ቅዋሞም ገይሮም ዝሓዙ ተወዳደርቲ ኣብቲ ዝመፅእ ናይ መንፈቅ፟ ዓመት ምርጫ ቀንዲ ጠመተ ከምዝረክቡ ገሊፆም እዮም ።

መራሒ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤትምክሪ ሻክ ሹመር ኣውፃእቲ ሕጊ ዓቃባውያን ኣብ ልዕሊ መሰል ምንፃል ጥንሲ ተወሰኽቲ ክልከላታት ከንብሩ ክፍትኑ እዮም ኢሎም ትፅቢት ከምዝገብሩ ይዛረቡ ።

"ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንምንፃል ጥንሲ ዝኽልክል እገዳ እንተ ደሊኹም ተወሰኽቲ ሪፓብሊካውያን ምረጹ፤ እንተድኣ ደቂኣንስትዮን ሓካይምን ክኽሰሱ እትደልዮ ኮይንኩም ሪፓብሊካውያን ምረፁ፤ ሓንቲ ሰበይቲ ዋላ'ውን ግዳይ ምዕማፅ ኮነ ምስ ናይ ቀረባ ዘመዳ ዝፈፀመቶ ፆታዊ ርክብ እንተኾነት ምንፃል ጥንሲ ንኸይትፍፅም ክትተሓባበሩ እንተ ደኹም ሪፓብሊካውያን ምረፁ።"

ኣፈጉባኤ ናንሲ ፕሎሲ ብወገነን ዴሞክራሲያውያን ዓብላላይ ድምፂ ሒዞም ክፀንሑ ወሳኒ ምዃኑ ይዛረባ።

"ሪፐብሊካውያን አብ መላእ ሃገር ምንፃል ጥንሲ ክኽልከል እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። እዚ ንኽገብሩ አብ ቤትምኽሪ ዓብላላይ ድምፂ ክህልዎም የብሉን ። ንሱ እዩ ቀንዲ ሸቶኦም።"

ስጋብ ሕጂ ማዕረ ክንደይ መረፅቲ ከተባብዕ ከምዝኽእል ዝተፈልጠ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፤ ገለ ንመሰል ምንፃል ጥንሲ ዝድግፉ ምብዛሕ ተወሰኽቲ ዴሞክራሲያውያን ተመረፅቲ ማዕሮ ክንደይ ለውጢ ከምፅእ ይኸእል ኣብ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ ይገልፁ ።

ድሕሪ ውሳነ እቲ ጠቅ፟ላሊ ቤትፍርዲ ፖለቲኮ ሞርኒንግ ዝገበሮ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ 40% ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ንውሳነ ምምላስ ሮው ከምዘይድግፎ እዩ።

XS
SM
MD
LG