ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ኣብ ገዛ ማሕዩር ንዝጸንሓ ካፔተን መርከብ ነጻ ክወጻ ወሲኑ


ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝድሓኑ ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ላምፐዱሳ ክትዓርፍ ናይ ዝፈተነት መርከብ ካፒቴን ንዝኾና ጀርመናዊት ካሮላ ራኬት ነፃ ክወጻ ወሲኑ።

ፖሊስ ኢጣሊያ ካሮላ ራኬት 40 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብምፅዓን ንሕጊ ፀረ ፍልሰት ኢጣሊያ ብምጥሓስ ነታ መርከብ ኣብ ወደብ ደው ብምባለን ፖሊስ ኢጣሊያ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ናይ ገዛ ማእስርቲ ክጸንሓ ምግባሩ ይዝከር።

ዳኛ ኣለሳንድራ ቬላ ግን ካፒቴን ራኬት “ህይወት ናይ ምድሓን ግቡኣ እያ ተዋፂኣ’’ ኢጣሊያ ንህይወት ንዘድሕና መራኽብ ክትኽልክል ሕጋዊ ኣይኮነን ክብላ ውሳነ ሂበን ኣለዋ።

እቶም ስደተኛታት ንኽልተ ሰሙናት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ብዘይሓጋዚ ተቐርቂሮም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG