ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ መድሃኔ ተስፋማርያም ነጻ ክወጽእ ወሲኑ


ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ን3 ዓመታት ተአሲሩ ዝጸንሓ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ግዳይ ግጉይ መንነት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ሎሚ ዓርቢ ብዘይሕጋዊ ምስግ ጋር ሰባት ኣብ 2016 ካብ ሱዳን ናብ ኢጣልያ ተወሲዱ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሓ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሃ እቲ ብዓቓቢ ሕጊ ዝድለይ ጥርጡር ከምዘይኾነ ብምሕባር እንተኾነ ግን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተሓባቢሩ’ዩ ብዝብል ናይ ሓሙሸተ ዓመታት ማእሰርቲ ውሲኑሉ’ሎ።

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ዋላ’ዃ ኣብ ምስግጋር ሰባት ብምትሕብባር 5 ዓመታት ክእሰር እንተተፈርደ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሓሉ ጊዜ ኣብ ግምት ብምእታው ነጻ ክወጽእ ወሲኑ’ሎ።

መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ እቲ ዝድለይ መድሃኔ ይህደጎ መርዕድ ዘይምዃኑ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር ዓቓብ ሕጊ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ዘሎ መድሃኔ ብ’ጀነራል’ ዝፍለጥ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፍ መድሃኔ ይሕደጎ መርድዕ ምዃኑ ብምግላጽ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረዶ ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ መድሃኔ ተስፋማርያም ነጻ ክወጽእ ወሲኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:52 0:00

XS
SM
MD
LG