ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ: ንጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ አበራን ዝቐተለ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ


ንሓላፊ ስታፍ ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረን መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቐተለ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ብፈደራል ቤት ፍርዲ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ደገፍቲ ተኸሳሲ እቲ ፍርዲ ከቢዱ ክብሉ ከለዉ ደገፍቲ ከሰስቲ ድማ ብሞት ክቕጻዕ ኔርዎ ኢሎም ኣለዉ። ቤትፍርዲ ንክልቲኦም ኣይተቐበለኦምን ስለዝኾነ ድማ ክልቲኦም ወገናት ይግባኝ ክንብል ኢና ኢሎም ኣለዉ።

ክልቲኦም ጀነራላት ኣብ ወርሒ ሰነ 22, 2020`ዮም ኣብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ሰዓረ ተቐቲሎም። ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራን ላዕለዎት ኣማኸርቱን`ውን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም። መንግስቲ ኣብ ዝህቦ ምላሽ፡ ኣብ`ታ ሃገር ዕግርግር ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ነቓዕ ንምፍጣር ዝተኣልመ ዝተወሃሃደ ውዲት`ዩ ክብሎ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG