ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ንም/አካይዲ ስራሕ ሜቴክ ዝነበሩ ዘሕለፎ ውሳነ መሰል ዋሕስ ዓቃቢ ሕጊ ብምቕዋሙ ተአጊዱ


ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ ሜቴክ ኢንጂነሪንግ ኮርፐሬሽን ሓፂን ነበር ብርጋዴር ጀነራል ሓድጉ ገብረጊዮርጊስ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክወፁ እንተወሰነ እውን ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቦ ጥርዓን እቲ ውሳነ ከምዝተኣገደ ተፈሊጡ።ጠበቓ ተኸሳሲ በቲ ውሳነ ከምዘይተሓጎሳ ገሊፀን ኣለዋ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ሜቴክ ናይ ሓፂን ኢንጂነሪንግ ኮርፖሬሽን ናይ ሆሚች ኣሙኒሽን ኢንጂነሪንግ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ሓድጉ ገብረጊዮርጊስ ብ50 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ ኔሩ።

ውሳነ ቤት ፍርዲ እቶም ጀነራል ብዋሕስ ክፍትሑ ከለው ካብ ሃገርን ካብ ዝነብርሉ ኣዲስ ኣበባ ከይወፁን ከምኡ እውን በብ 48 ሰዓታት ናብ ፌደራል ፖሊስ እናቐረቡ ከመልክቱን ዝብል’ዩ ኔሩ።

በዚ ውሳነ ዘይተሰማምዐ ዓቃቢ ሕጊ ንፌደራል መጋባእያ ናይ ይግባይ ጥርዓን ብምቕራቡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ ክሳብ 13 ነሓሰ 2011 ዓ/ም ክእገደድ ኣዚዙ’ሎ።

ናይ ተኸሳሲ ጠበቓ ወ/ሮ ህይወት ሊላይ በቲ ውሳነ ከምዘይተሓጎሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፀን ኣለዋ።እቶም ጀነራል ቅድም ክብል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ተነፊጎምዎ ዝነበረ መሰል ዋሕስ ብምቅዋም ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሰማዒ ጥርዓን ኣብ ዘቕረብኦም ይግባይ ብ100,000 ብር ዋሕስ ኣብ ደገ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ 30 ሓምለ 2011 ዓ/ም ተወሲኑሎም ከምዝነበረ ጠበቕኦም ወ/ሮ ሊያ ሓቢረን።

ምኽትል ዳይሬክተር ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ሓድጉ ገብረጊዮርጊስ ኣብ ሜቴክ ተፈፂሙ ብዝብሃል ገበን ምጥፍፋእ ተጠርጢሮም ካብ 30 ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG