ዋሽንግተን —
ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ብዘስካሕክሕ ቅትለት ጸሓፊ ዓምዲ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ዝነበረ ጀማል ኮሽጊ ዝተኸሰሱ 26 ስዑዳውያን ኣብ ዘይተረኸብሉ ኣብ ቱርኪ ዝካየድ ከይዲ ፍርዲ ክቋረጽን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክመሓላለፈን በይኑ።
እዚ ውሳነ ዝ ሓለፈ ተሓለቅቲ መሰላት ነቲ ጉዳይ ናብታ ዘውዳዊት ሃገር ምትሕልላፍ ኣብ ልዕሊ ወራሲ ልዑል መሃመድ ቤን ሳልማን ንዘሎ ጥርጣረ ናብ ምሽፍፋን ከምርሕ እዩ ክብሉ ኣብ ዘጠንቀቕሉ'ዩ።
እቲ 59 ዓመት ዝዕድሚኡ ጋዜጠኛ ኮሽጊ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ውሽጢ ቆንስል ስዑዲ ኣብ 2ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም እዩ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተቀቲሉ። ኣብቲ እዋን ዓለምለኸ ትኹረት እውን ረኺቡ ኔሩ።
ገለ መሓውራት ዜና ስዑዲ ዓረብ ምስ ቱርኪ ርክብ ንምምሕያሽ ነቲ ኣንጻር ስዑዲ ዝኾነ ጉዳይ ክትገድፎ ከም ኹነት ኣቅሪባ'ያ ይብሉ።