ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ መስራቲ ዊኪሊክስ ናብ ኣመሪካ ክርከብ ዝብል መጎተ ክፉት ገዲፍዎ


መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ -ፋይል
መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ -ፋይል

ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ናብ ኣመሪካ ንኽርከብ ንዝብል መጎተ ክፉት ገዲፍዎ።

ታሕታዋይ ቤትፍርዲ ብሪጣንያ ጁልያን ኣሳንጅ ዘለዎ ናይ ኣእምሮ ጸገም ጥዕና ፡ ንገበናዊ ስርዓት ክሲ ኣመሪካ ክጻወር ዝኽእል ኣይኮነን ብዝብል እቲ ምርካብ ዝብል ነጺግዎ እንተበረ`ኳ፡ ድሕሪኡ ድማ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ብይን ገልቢጥዎ`ዩ።

ሕጂ ድማ ናይ ይግባኝ ቤት ፍርዲ ነቲ ይረከብ ዝብል ጉዳይ ክፉት ገዲፍዎ`ሎ፡ ግን እዚ`ውን ይግባኝ ክመጾ ትጽቢት ይግበር። መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ፡ ምስጢራዊ ሰነዳት ኣመሪካ ዝዘርግሐ ምዃኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG