ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት-ፍርዲ ቢሾፍቱ ነባር ፖለቲከኛ ኢትዮጵያ ልደቱ ኣያሌው ክፍታሕ ኣዚዙ


ነባር ፖለቲከኛ ኢትዮጵያ ልደቱ ኣያሌው ክፍታሕ ኣብ ብሸፍቱ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ኣዚዙ። መራሒ ኢዴፓ ዝነበረ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፥ ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፥ ግጭት ኣብ ምልዕዓል ኢድ ኔሩካ ብዝብል ፖሊስ ኣሲርዋ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ፥ ዞባ ኮንሶን ፍሉይ ወረዳ ኣሌን ከምኡ`ውን ኣብ ዞባ ጉረጌ ወረዳታት መስቃን ማረቆን፡ ግጭት ከምዝፍጠር ጌሮም፥ ብዙሓት ከምዝቕተሉን ንብረቶም ከምዝዓኑን ጌሮም ዝተባህሉ 34 ኣባላት መሪሕነትን ሰብ-ሞያን ከም ዝኣሰረ ቤት-ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ብልጽግና ፓርቲ ኮይኖም፥ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ሓድነትን ጸገም ዝተራእዮም፥ ከምኡ`ውን ካብ ውሽጢ ኮይኖም ንትርምስ ምኽንያት ዝኾኑ ኣባላት ኣመራርሓ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ሓላፊ`ቲ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ደቡብ ኣቶ ጥላሁን ከበደ ሓቢሩ`ሎ። ኣብቲ ከባቢ ኩነታት ጸጥታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ከምዝመጸ`ውን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG