ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ስዑዲ ዓረብ ንቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝፈጸሙን ዝተሓባበሩን ናይ ሞትን ማእሰርቲን ፍርዲ ሂቡ


ሓደ ቤት ፍርዲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰለስተ ድማ ማእሰርቲ ፈሪዱ።

ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ኣብዘውፅኦ መግለፂ ብቐጥታ ዝተሳተፉ ብሞት ክቕፅዑ፣እቲ ገበን ከይቃላዕ ኣብ ዝተሓባበሩን ተራ ዝነበሮም ድማ ማእሰርቲ ፈሪዱ’ሎ።

እቲ ሎሚ ሶኑይ ዝተውሃበ ውሳነ ዝበዝሕ ብምስጢር ድሕሪ ዝተሰምዐ መጋባእያ ኮይኑ ኣብ ቅትለት ኻሾጊ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ናይ ቀደም ላዕለዋይ ሓጋዚ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝነበሩ ሳውድ ኣል-ቃታኒ ግን ነፃ ገይሩዎም ኣሎ።

ንሕቡራት ሃገራት ብምውካል ነቲ ቕትለት ዝመርመሩ ኣግነስ ካላማርድ እቲ ፍርዲ ‘’ባጫ’’ ክብሉ ፀዊዖምዎ። “እቲ ቀንዲ ነገር ነቲ ቕትለት ዝፈፀሙ ሞት ተፈሪዱዎም ኣሎ።ነቲ ቕትለት ዝመርሑዎ ነፃ ኮይኖም ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ምርመራ ይኹን በቲ ፍርዲ ኣይተተንከፉን።እቲ ፍርዲ ናይ ሓቂ ተፃራሪ እዩ።ሕጫጨ እውን እዩ’’ክብሉ ሎማዕንቲ ሶኑይ ኣብዝልኣኹዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩን ንመራሓውራት ዜና ዝጣበቕ ትካል ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት/Reporters Without Borders/ ፍትሒ ተዛቢዑ’ሎ ኢሉ’ሎ።

ሓላፊ ናይቲ ትካል ክሪስቶፊ ደሎይር ሎሚ ሶኑይ ብቲዊተር ኣብዝለኣኹዎ ፅሑፍ “እቲ ውሳነ ነቶም ተጠርጠርቲ ንዘለኣለም ብምዕፋን፣እቲ ሓቂ ንምሕባእን ከይዛረቡ ንምኽልካልን ገይርና ኢና ንትርጉሞ’’ ኢሎም ።

ቱርኪ “ካብ ፍትሒ ዝርሓቐ’’ብምባል ነቲ ውሳነ ኮኒናቶ።

ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ዓምደኛን ፍሉጥ ነቓፋይ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ኻሾጊ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ቆንሱል ብዝኣተዎ ዝተረፈን ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝተቐትለ ምግላጹን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG