ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ 27 አባላት ጸጥታ’ታ ሃገር ናይ ሞት ፍርዲ ሂቡ


ሓደ ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ እሱር ስቕያት ብምፍጻም ሞት ኣስዒቦም’ዮም ንዝበሎም 27 አባላት ጸጥታ’ታ ሃገር ናይ ሞት ፍርዲ ፈሪዱ።እቲ እሱር ኣብ እዋን ኣንጻር ስርዓት ኣልበሽር ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ተሳታፊ ዝነበረ ኣሕመድ ኣል ኬር ዝተባህለ መምህር ኮይኑ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ የካቲት ኣብ ማእሰርቲ ከሎ ምሟቱ ይፍለጥ።

እዚ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ኡምዱርማን ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ኣብ እዋን ተቓውሞ ንዝተኻየዱ መቕተልቲ ብዝተሓሓዝ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ መስርሕ ፍርዲ’ዩ።

ኣብቲ ሎሚ ዝወዓለ መጋባእያ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኣፍደገ’ቲ ቤት ፍርዲ ብምትእኽካብ ፍትሒ ንኣል ኬር ጠሊቦም።

ኣል ኬር ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ 31 ኣብ ከሰላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ክኸውን ከሎ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ከሎ ምሟቱን ስድራቤት ሬሳ ኣብ ዝተቐበልሉ አካላቱ ስንብራትን ማህሰይቲ ከምዝነበሮ ይገልጹ፡ ፖሊስ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝኾነ ንሞት ዝዳርግ ኩነታት ከምዘይተፈጸመን ጠንቂ ሞት ሕማም ምዃኑ ምግላጾም ይዝከር።

ይኹን ደአ እምበር ቤት ፍርዲ ሎሚ ኣል ኬር ብሰንኪ ዘጋጠሞ ማህረምቲን ስቅያትን ምሟቱ ብምርግጋጽ ኣብ ሞት’ቲ ውልቀሰብ ኢድ አለዎም ንዝበሎም 27 አባላት ጸጥታ’ታ ሃገር ናይ ሞት ፍርዲ ፈሪዱ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣቐዲሙ ሓደ ቤት ፍርዲ ካርቱም ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሽር ብዝቐረበሎም ክሲ ብልሽውና መሰረት ንክልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክጸንሑ ምፍራዱ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG