ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሩስያ ብግዝያዊ ቪዛ ዝኣተው ሸውዓተ ኤርትራዊያን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ወሲኑ


ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 2018 ‘ንምስታፍ’ ብዝብል ቪዛ፡ ካብ ሱዳን ናብ ሩስያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፡ ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ኣብ ዝፈተንሉ ክብሉ ኣብ ዶብ ኢስቶንያ ተታሒዞም ኣለዉ።

እቶም ስለስተ ኣዋልድን ኣርባዕተ ኣወዳትን ዝርከብዎም ሸውዓተ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ብቤት-ፍርዲ ከምዝተፈርደሎም፡ ንሳቶም ግን ክምለሱ ከምዘይደልዩ ሓቢሮም ኣለዉ።

ምስቶም ኣብ ፒስኮቭ ትብሃል ከተማ ሩስያ ዘለው ስደተኛታት ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG