ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ማውሪታንያ ንፈለማ ጊዜ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰ ውልቀሰብ ናይ ማእሰርቲ ውሳነ ሂቡ


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቤት ፍርዲ ማውሪታንያ ኣብ ልዕሊ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰ ውልቀሰብ ንዝወሰኖ ፍርዲ ንኢዱ።

ማውሪታንያ ጾታ መሰረት ንዝገበረ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽ ንምክልካል ዘክእል ሕጊ ኣይጸንሓን።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዘጋጥሙ ጾታዊ ዓመጽ ብዘይ ዝኾነ መቕጻዕቲ ክኸዱ ጸኒሖም’ዮም። ይኹን ደአ እንበር ብዘገርም ኣገባብ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ንጓል 15 ዓመት ዝዓመጸ ወዲ 30 ዓመት ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ማእስርቲ መቕጻዕቲ ፈሪዱ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ትካል ሕቡራት ሃገራት ሩፐርት ኮልቪል እዚ ዝበራታዕ ፈላማይ ስጉምቲ’ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

“እዚ ስጉምቲ ቕኑዕ ዝኾነ ሕጊ እንተስዒብዎን እቲ ሕጊ ድማ ብግቡእ ክትግበር እንተጀሚሩ ሽዑ ምናልባት ግዳያት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንክዛረባ ይተባብዓ ይኾነ ምክንያቱ ውጽኢት ምዝራበን ብግሉጽ ክርእያ ይክእላ እየን። ምክንያቱ ሓንቲ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ እትወስዱ ግብረመልሲ ውልቃዊን ዘሳቕይን ውሳነ እዩ።”

ማውሪታንያ ካብ መርዓ ወጻኢ ንዝካየድ ጾታዊ ርክብ ገበን ምዃኑ ዝገልጽ ሕጊ ግን ኣለዎ። ተዓዘብቲ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት እዚ ሕጊ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንገዛእ ርእሰን ብገበን ከይሕተታን ከይእሰራን ብምፍራሕ ነቲ ዘጋጠመን ዓመጽ ናብ ሕጊ ካብ ምቕራብ ዝዕንቕፍ እዩ ክብሉ ይገልጹ።

ብተወሳኺ ብጾታዊ ዓመጽ ነፍሰ ጾር ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ በቲ ሕብረተሰብ ከምዝንጸጋን ሓሓሊፉ’ውን ካብ መርዓ ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻመን ብዝብል ገበን ማእሰርቲ ከምዘጋጥመን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG