ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሆላንድ ውሳነ ፍርዲ ኣብ 1970'ታት ብዝተፈጸመ ገበን ዝተፈርደ ኢትዮጵያዊ ክጸንዕ ወሲኑ


ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ሓደ ናይ ይግባኝ ቤት ፍርዲ ንሓደ ኣብ 70`ታት ኣብ ግዜ ስርዓት ደርጊ ብዝተፈጸመ ገበናት ዂናት ንዕድመ ልክዕ ዝተፈርደ ኢትዮጵያዊ ሆላንዳዊ ፍርዱ ንክጸንዕ ወሲኑሉ።

ወዲ 67 ዓመት እሸቱ ኣለሙ፡ ብሰንኪ ሕማም ናብቲ ቤት ፍርዲ ብኣካል ክቐርብ እንተዘይክኣለ`ኳ፡ ብጠበቓኡ ኣቢሉ እቲ ኣብ 2017 ዝተወሰኖ ፍርዲ ክቕየር ይግባኝ ሓቲቱ ኔሩ`ዩ፡ እንተኾነ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቲ ኣብ ዘ ሄግ ዝተሰየመ ቤት ፍርዲ ነቲ ኢትዮጵያዊ በቲ ኣብ 1977-78 ኣብ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብቲ ቀይ-ሽብር ተባሂሉ ዝፍለጥ ስጉምቲ ብምስታፉ`ዩ ብገበናት ዂናት ተኸሲሱ ንሕልፈት ተፈሪዱ ዘሎ።

ኣብ እዋን ቀይሕ ሽብር፡ 150 ሽሕ ዝኾኑ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን በቲ ስርዓት ብዝተገብረ ናይ ተቓውሞ ጭፍለቓ ከም ዘተቐትሉ ነቲ ኩነታት ዘጽንዑ ክኢላታት ይምስክሩ። ሁማን ራይትስ ዎች፡ ቀይሕ-ሽብር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ብመንግስቲ ኮነ ኢልካ ካብ ዝተፈጸሙ ዝኸፍኡ ቅትለታት ክብል ይገልጾ።

ተኸሳሲ ኢትዮጵያዊ ሆላንዳዊ እሸቱ ኣለሙ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ስምዒት ተዋሒጡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ስርዓት ደርጊ ንዝፈጸሞ ገበናት ብምቕባል ንሱ ግን ብውልቁ ዝፈጸሞ ገበናት ከም ዘይነበረ ብምግላጽ ተኸላኺሉ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG