ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክልል ደቡብ ለበዳ ሕማም ዓሶ ብብዝሒ ይረኣ ምህላው ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰብን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልኽዑ ለበዳ ሕማም ዓሶ ብብዝሒ ይረኣ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ዛጊት ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ኾይኖም ቤት ጽሕፈት ጥዕና እቲ ኽልል 1.2 ሚልዮን ኬሚካል ዝተለኽየ ዛንዜራ (ላሙስያ) ምዕዳሉ ኣተሓባባሪ እቲ መደብን ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ኣቶ መና መኩርያ ገሊፆም።

ንሶም ቅድሚ ሎም ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ብዝተሰርሑ ስራሓት ምኽንያት ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ለበዳ ሕማም ዓሶ ቀኒሱ ዝነበረ ኾይኑ ኣብዚ እዋን ግን ካብቲ ዓሚ ዝነበሮ ብ28% ክውስኽ ከምዝኸኣለ እዚ ድማ ዘይተለመደ ምዃኑ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣይተ መና መኩርያ ወሲኾም ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ጥራሕ 9-ሽሕ ሰባት ብሕማም ዓሶ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጦም:እቲ ለበዳ ብብዝሒ ዝተራእየለን ዞባታት ደቡብ ኦሞ፣ ጋሞ-ጎፋን ዞባታት ወላይታን እዮም ኢሎም።

ስጋብ ሎሚ ለበዳ ዓሶ ይረኣየሉ ዝነበሩ ወቕትታት ካብ መስከረም ስጋብ ታሕሳስን ካብ መጋቢት ስጋብ ግንበት ኣብ ዝነበሩ እዋናት ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ መና ሎሚ ግና እቲ ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጀመረ ለበዳ ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ነቲ ሕማም ይወሃቦ ዝነበረ ጠመተ ብምንካዩን ስጋብ ሎሚ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ዛጊት በቲ ለበዳ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG