ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝጠመተ መግለጺ ሂቡ


ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢል-ለኔ ስዩም -ፋይል
ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢል-ለኔ ስዩም -ፋይል

ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግማይ ንምጅማር ዝክኣል ከሰርሕ ዝኽእል ኩነታት ምስ ዝፍጠር'ዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ቢልለኔ ስዩም ሎሚ ንናይ ወጻኢ ሃገራት ጋዜጠኛታት ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎት ካብ ማእከል ትዓጽዎን ትኸፍቶን ዘይኮነስ ናይ ባዕሉ ኣካይዳ ኣለዎ ኢላ።

መንግስቲ ናይ ሰላም ድልየት የብሉን ዝበለ ወሃቢቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ስራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ትኹተኻ ይፍጽም ኣሎ ኢሉ። 'ካብ ትግራይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት' ብዝብል ካብ መቐለ ዝወጸ ካልእ መግለጺ ብወገኑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንውሳነ ምቁራጽ ተኹሲ ጥሒሱ ደብዳብ ከቢድ ብረት አካይዱ ክብል ከሲሱ`ሎ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ ትዊተር ዘስፈርዎ ጽሑፍ ፈደራል መንግስቲ ንሰላም ድልየት የብሉን ክብሉ ነቒፎም ኣለው።ንሶም ወሲኾም "ምዕራብ ትግራይ ናጻ ንምውጻእን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ ቦትኦም ንምምላስን ሓይሊ ብሕታዊ ኣማራጺ ከምዝኸውን ይግብሩ ከምዘለዉ ተገንዚብና ኣለና" ኢሎም።

ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ቢልለኔ ስዩም ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ እዚ ዝስማዕ ዘሎ ካብ ሰላማዊ ኣካይዳ ካብ ምህዳም ተፈልዩ ዝርኣይ ኣይኮነን ኢላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ዓቢይ ኮሚቴ ዝበሎ ጉጅለ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ዘተ-ሰላም ንምክያድ ድሉው ምኻኑ`ውን ሓቢሩ`ሎ። ህወሓት ክሳብ ሕጂ ጉጅለ ተላዘብቱ'ውን ወግዓዊ ኣይገበረን።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ልክዕ ከም መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉጅለ ተላዘብቱ ወግዓዊ ክገብር ኣተሓሳሲቡ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG