ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት'ታ ሃገር ዝሃቦ መግለጺ


ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተመርኩሰን ሎሚ ሰሉስ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂበን።

እተን ወሃቢት ቃል ኣብ ዘስመዐዖ መግለጺ ቀ/ሚ ናብ ዓውደ ግንባር ካብ ዝተበገስሉ እዋን ንዘሎ ፍጻመታት ሓደ ሰሙን፣ ኩነተ ህጹጽ ኣዋጅ፣ ግብረ መልሲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ህልዊ ሰላምን ጸጥታን ኢትዮጵያ፣ ፈጸምቲ ግፍዒን ተሓታታይነትን፣ ወፍሪ ምድንጋር፣ ንማሕበረሰብ ዓለምን ንዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን መጸዋዕታን ዝብሉ ሸሞንተ ነጥቢታት ዝሓዘ እዩ።

ንሰን ኣብ መግለጺኣን "ቀ/ሚ ናብ ዓውዲ ውግእ ምውፋሮም፣ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ መርገጺ ከምዝቀየረ ዘርኢ ኣይኮነን፣ ኣብ ክንድኡ ሸርሒ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲን ናይ ወጻኢ ተሓባበርቱን ስግኣት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንምኹላፍ ዘሎ ተገዳስነት ዝሕብር እዩ" ኢለን።

ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዝተተግበረ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ውጡን ሽበራዊ ተግባር ንምቁጽጻር ከምዝኾነ’ውን እተን ወሃቢት ቃል ጠቂሰን።

ብመሰረት ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ንዝበለኦ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ዘሎ ኩነተ ቀረብን ጠለብን ሰብኣዊ ረድኤት’ውን ንጋዜጠኛታት ገሊጸን።

ንኩነተ ሰላምን ጸጥታን’ታ ሃገር ኣመልኪተን ክዛረባ ከለዋ "ውግእ ዝካየደሎም ከባቢታት ኣለው’ዮም፣ እንተኾነ፣ ምሉእ ሃገር ኣብ ውግእ ሕድ-ሕድ ኣትያ ኢልካ ዘረባ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ እዩ" ኢለን።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝተወለዐሉ ጊዜ ጀሚሩ ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ዝከታተል ብሚኒስተራት ዝምራሕ ኣካል ከምዝቆመ ቢል ለኔ ስዩም ኣፍሊጠን።

ኣርባዕተ ኮሚቴታት ከምዝቆሙን፣ ኮሚቴ ኣናዳዪ ሓቂን ፈራዲን፣ ኮሚቴ ስደተኛታትን ውሽጣዊ ተመዛበልቲን፣ ኮሚቴ ጾታዊ መጥቓዕትን ኣብ ጾታ ዝተመርኮሱ መጥቃዕታትን፣ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ዓቅሚታትን ጸጋታትን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG