ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ግፍዒ ፈጺሞም’ዮም ክብል ይኸስስ


ፋይል
ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን መሻርኽቱን ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ስቪላት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ግፍዒ ይፍፅሙ ኣለው ክብል ኸሲሱ።እቲ ትካል ብተወሳኺ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ገለ ኽፋል ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ተቓዋምቲ ካብ ሱሮም ናይ ምምሓው ፖሊሲ ይኽተል ዘሎ ይመስል እውን ይብል ።

ሓይልታት መንግስትን ደገፍቶምን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ጃምላዊ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንምዝራብ ዘፅግሙ ዘስካሕክሑ ግፍዕታትን ምፍፃሞም ዝሕብሩ ሓበሬታ ከምዝሰነደ’ውን ይገልፅ።

ተቓዋምቲ ኣብ ልዕሊ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ካብ 16 ሚያዚያ ክሳብ 24 ግንቦት 2018 ኣብዝተኻየደ መጥቓዕቲ እንተወሓደ 232 ስቪላት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ’ሎ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ራቪና ሻምዳሳኒ እቲ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ግፍሒ ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG