ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ መንግስቲ ኣልጀርያ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ምጥራዝ ስደተኛታት ይኹንን


ፋይል
ፋይል

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኣልጀርያ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ምጥራዝ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዜጋታት ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

እቲ ቤትጽሕፈት ሰበ ስልጣን ኣልጀርያ ካብ መጋቢት 8 ክሳብ ሚያዝያ 19 ሽዱሽተ ፍተሻ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት እታ ሃገር ምኽያዶም ሓቢሩ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ‘ቲ ቤት ጽሕፈት ራቪና ሸምዳሳኒ እቲ ፍተሻ ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታትን ኣብ ጎደናታት ዝተኻየደ ምኳኑ ብምግላጽ እቲ ምጥራዝ ብዘይ ዝኾነ ምጽራይ ዝካየድ ምኳኑ ድማ ዝያዳ ጸገም ይፈጥር ምህላው ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢረን ኣለዋ።

“ ሰባት ወረቐቶም ከይተራእየ ይእሰሩ ከምዘለው ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለው። ናብ ኒጀር ካብ ዝተጠረዙ 25 ሰባት ሓንቲ ሰብ ጥራይ’ያ ፓስፖርታ ተራእዩ፡ ዝበዝሑ አሰር አጻብዕቶም ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዝተጻሕፈ ወረቐት ከምዘስፈሩ ይገልጹ፡ዝበዝሑ ድማ ቋንቋ ዓረብ ዘየንብቡ እዮም።”

ሸምዳስኒ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝተጠረዙ ስደተኛታት ንብረቶም ክወስዱ ከምዘይተፈቐደሎም፡ ገለ ናብ ኒጀር ዝተሰጋገሩ ክኮኑ ከለው ገለ ድማ ኣብ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ዘለዎ ወታሃደራዊ መደበራት ከምዝርከቡ ይገልጻ።

ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ፡ ስደተኛታት ብሃውሪ ክእሰሩን ኣብ እዋን ምጥራዝ ንብረቶም ካብ ምውሳድ ክኽልከሉ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተኾይኑ ድማ ብውሑስ መንገዲ ክትግበር ኣለዎ ይብል።

XS
SM
MD
LG