ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፥ መንግስቲ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ስልጣን ዘመኑ ንክናዋሕ ንዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ


ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፥ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ስልጣን ዘመኑ ንክናዋሕ ንዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ።

ብመሰረት እዚ፥ ደረት ስልጣን ክልቲኡ ባይቶታት፥ ቤት-ምኽሪ ሚንስተራት፥ ክሳብ`ቲ ምርጫ ንምግባር ዘኽእለሉ እዋን ክናዋሕ ተወሲኑ`ሎ። እቲ እማመ ናብ ባይቶ ፈደረሽን ዝቐረበ በቲ ንሕገ-መንግስቲ ክትርጉም ቆይሙ ክሰርሕ ዝጸንሐ መርማሪ ኮሚሽን`ዩ።

ዝቕጽል ምርጫ ኢትዮጵያ ፥ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምውዓሉ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየድ እቲ እማመ ጸዊዑ`ሎ።

ነዚ ኣካይዳ ዝተቓወመት ኣባል ሕወሓት ኣፈ-ጉባኤ`ቲ ፈደረሽን ዝነበረት ወ/ሮ ከርያ ኢብራሂም ኣብዚ ሰሙን መዝነታ ብወለንትኣ ምልቃቃ ይዝከር።

Recommended

XS
SM
MD
LG