ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ከምዝዘራረብ ተፈሊጡ


ፋይል
ፋይል

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ከምዝዘራረብ ተፈሊጡ።

ኣብ ኒውዮርክ ትርከብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለጸቶ "ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ክፉት ኣኼባ ንከካይድ ንፈለማ ጊዜ እዩ። ቅድሚ ሎሚ ዕጹው ኣኼባ እዩ የካይድ ነይሩ"ኢላ::

ኣብ’ቲ ናይ ሎሚ ክፉት ኣኼባ፣ ካብ ክፍሊ ፖለቲካን ክፍሊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሪፖርት ክሰምዕ እዩ።

እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ንክካየድ ዝተወሰነ፣ ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድን ፈረንሳን ብመሰረት ዘቅረበኦ ሕቶ’ዩ። ካልኦት ኣባል ሃገራት’ውን ሓቲተን ክኾና ከምዝክእላ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG