ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ኮንጎ ንዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኮኒኑ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ኮምቦይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ዘስዓቦ ቅትለት ዋርድያ ኤምባሲ ኢጣልያን ኣባል ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ብጽኑዕ ኮኒንዎ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ንስድራ ቤታት ሕዙናት ምጽንናዕ ተመንዮምሎም። ፈጸምቲ’ቲ ገበን ፍርዶም ክረኽቡ ከምዝግባእ’ውን ሓቢሮም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኮንጎ ንዝወፈረ ሓይሊ ኣኽባሪ ሰላም ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ብሰሪ’ቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ንህዝቢ ሪፐብሊክ ኮንጎ ንልግሶ ሓገዝ ኣይንክይን ኢሉ።

XS
SM
MD
LG