ዋሽንግተን —
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝነበሮ ዕጹው ኣኼባ፣ ‘ንሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ’ ከምዝተዘራረበሉ ተፈሊጡ።
አምባሳደር ዘይቀዋሚ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ዝኾነት ጀርመን "ናብ ክልል ትግራይ፣ ገደብን ደረትን ዘይብሉ ምንቅስቃስ ንትካላት ረድኤት ንክህሉ ብምሕታት፣ ቅትለት ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ኣብ ክልልትግራይ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።