ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት-ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ንዝቖመ ኮሚሽን ምሕደራ ወሰንን መንነትን ይቃወም


ኣብ መቐለ ተኣኪቡ ዝቐነየ ቤት-ምኽሪ ኽልል ትግራይ፡ ነቲ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝጸደቐ ምቛም ኮሚሽን ምሕደራ ወሰንን መንነትን ተቓዊምዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዛዘሚ ጉባኤኡ ኣብ ዘሕለፎ ወሳነ-እቲ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ውሳነ ሕገ-መንግስታዊ ኣይኮነን ብዝብል ብምሉእ ድምጺ ተቓዊምዎ`ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዝተቃወሞ እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ንስርዓት ሕገ መንግስቲ ዝዳፋእ ብምትእትታው ፌደራል መንግስቲ መሰል ምምሕዳር ክልላት ዝፃባእን ንስልጣን ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝምንዝዕን’ዩ ኢሉ’ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘየድሊ ምስሕሓብ ከይፍጠር ይሰርሕ የለን ክብል ሓደ በዓል-ስልጣን ክልል ኣምሓራ ተዛሪቡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣማኻሪ ሕጊ ፕረዚደንት ክልል ዝኾነ ኣቶ መርሃጽድቅ መኮነን፡ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኣብ መንጎ ክልላት ንዝፍጠር ናይ መንነትን ወሰንን ሕቶታት ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ እናተገብኦ፡ ብኽልል ኣምሓራ ብሕጋዊ መንገዲ ዝቐረበ ናይ መንነት ሕቶ የለን ኢሉ ምድምዳሙ፡ ኣብ መንጎ ክልላታት ኣምሓራን ትግራይን ዘየድሊ ምስሕሓብ ንኽፍጠር ይገብር ኣሎ ኢሉ።

እዚ ኣማኻሪ ሕጊ ምምሕዳር ኽልል ኣምሓራ እቲ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ነቲ ውሳነ-ሃሳብ ዘየፈጽም እንተኾይኑ ግን፡ ፈደራል መንግስቲ ኣትዩ መፍትሒ ከምዝርከብ ክገብር`ዩ ኢሉ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:03 0:00

XS
SM
MD
LG