ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ከተማ ኣዳማ የካይድ ኣሎ


ከተማ ኣዳማ
ከተማ ኣዳማ

ኣብ ‘ቲ ትማሊ ዝጀመረ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ፣ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብ’ቲ ክልል ይረኣይ ዘሎ ሞት ሰባትን ምቁራጽ ኣገልግሎታትን ከምዘልዐሉን መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ንክወስድ ከምዝሓተቱ ተፈሊጡ።

ካብ ቄለም ወለጋ ዝመጹ ተወካሊ ብወገኖም ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቀትሉ ክገልጹ ከለው፣ ካብ ምዕራብ ወለጋ ዝመጹ ተወካሊ ድማ፣ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ዓመታት፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብ ዞባኦም ከምዝተቀትሉ ሓቢሮም።

ናይ’ቲ ክልል ፕረዚደንት ኣቶ ሺመልስ ኣብዲሳ ነቲ ክልል ሰላም ዘስእንዎ ዘለው፣ እቶም ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ኢዱ ዝዓተሮ ዓወት ንምምንጣል ይጽዕሩ ዘለው ሓይልታት እዮም ከምዝበሉ እቲ ሪፖርት ይጠቅስ።

ሓላፊ ርክባት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ለሚ ገመቹ ብወገኖም "መንግስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሰላም ንምስፋን ይጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይኮነን" ክብሉ ነቂፎም።

ንሶም ወሲኾም ‘ሰላም ኣብ’ቲ ክልል ክሰፍን እንተኾይኑ፣ ልዝባትን እዮም ዘድልዩ’ ከምዝበሉ ዝረኸብናዮ ሪፖርት ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG