ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ስሩዕ ጉባኤኡ ይካየድ ኣሎ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ መንነት ሕቶ ጉልባብ ብምግባርን ዘይ-ሕጋዊ ኣወዳድባ ብምፍጣርን፥ ነቲ ኽልል ንምህዋኽ ክግበር ዝጸንሐ ውዲት ብህዝብን ብሓይልታት ጸጥታን ፈሺሉ’ዩ- ክብል ኣመሓዳሪ`ቲ ኽልል ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ክልል ኣምሓራ መግለጺ ዝሃበ ኣቶ ተመስገን ፥ህወሓት ናይ ሓሶት ሰነዳት እናበተነ፥ ንህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ንምፍልላይ ኣብ ልዕሊ ምጽዓሩ፥ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝገብሮ ዘሎ ምትኹቷኽ ዝምልከቶ ኣካል ቀጥዒ ከትሕዞ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ቤት-ምኽሪ ኣምሓራ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-2012 ኣፈጻጽማ ስራሕ ድሕሪ ምግምጋም ናይ 2013 ቀንዲ ዕላማታት ብምቕማጥ ዝተፈላለየ ሽመታት ኣጽዲቑ`ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ዞባታት ኦሮሚያን ኣምሓራ ሎሚ` ውን ምስቲ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ዝሰዓበ ህውከት ብዝተሓሓዝ ተወሰኽቲ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ዝመጻና ዜና ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG