ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናብቲ ክልል ዝኣትው ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ወሲኑ


ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናብቲ ክልል ዝኣትው ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ወሲኑ::

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ንክልተ ሰሙን ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ንቐፃሊ ሰለስተ ወርሒ ክናዋሕ ወሲኑ`ሎ::

ካብቲ ክልል ወጻኢ ንዝመጽኡ ተጓዓዝቲ፡ ኣብቲ ዝኣትውሉ ከባቢ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ መጽንሒ ንበይኖም ን14 መዓልታት ክውሸቡ ተወሲኑ እዩ:: ኣብቲ ጉባኤ መብርሂ ዝሃቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ናብቲ ክልል ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ንክልተ ሰሙን ከምዝውሸቡ ተዛሪቦም:: ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ኣብ መወሸቢ ቦታ ክፀንሑ ንዘይኽእሉ ሰባት ድማ ብቐፃሊ ንሪኦ ጉዳይ እዩ ኢሎም:: እቲ ውሳነ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ፅልዋ ንርዳእ ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር: ድሕንነት ህዝቢ ንምሕላው እዩ ተወሲኑ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም::

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ምውሻብ ካብ ዝመጽእ ሰንበት ከምዝጅምር’ውን ተሓቢሩ’ሎ:: ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር ምንቅስቓስ ምኽልካሉ ስቡ ሓረስቶት ናብ ከተማታት ምህርቶም ንምቕራብ ከይፅገሙ ንምግባር ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ብእኩብ መንገዲ ናብ ዕዳጋ ክቐርብ እዩ ኢሎም ::

"ነዚ ተላባዲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ውልቃዊ ረብሕኦም ብምቕዳም ብሓፂሩ ክህፍትሙ ዝደልዩ ሰባት ፀላእትና እዮም" ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ሕማቕ እዋን ህዝቢ ትግራይ ዝኻሓዱ ኢልና ንህዝቢ ሽሞም ዕላዊ ክንገብር ኢና ኢሎም:: ኣብ ክልል ትግራይ ዝፀደቐ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምስ ብመንግስቲ ፌደራል ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣይጻረርን’ዶ ዝብል ሕቶ ተላዒሉ: ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ "ኣብ ሕገ መንግስቲ ስልጣን መንግስቲ ክልልን ፈደራልንን ብንፁር ተቐሚጡ ስለ ዘሎ ኣይፃረርን ኢሎም" ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ህፁፅ ጉባኤ ሕጋዊ ኣፈጻጽማ ከይዲ እቲ ኣዋጅ ዝከታተተሉ ኣባላት መርማሪ ቦርድ እውን ተመዚዞም ኣለው::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG