ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንክልተ መዓልታት ዘካየዶ አኼባ ዛዚሙ


ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንክልተ መዓልታት ስሩዕ ጉባኤ ብምክያድ ኣፈጻጽማ ስርሑ ገምጊሙ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተጨበጠ ለውጢ ብፍላይ እዚ ቤት ምኽሪ`ዚ ተቓሊሱ ዘምጽኦ`ዩ ዝበለ ፕረዚድነት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ እቲ ለውጢ ነቶም ንናይ ውልቂ ጥቕሞም ዝስስዑ እንተዘይኮይኑ ንኻልኦት ብዙሕ ዓወታት ኣመዝጊቡ`ዩ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፥ ህዝቢ ኦሮሞ ብልዑል መስዋእቲ ዝረኸቦ ዓወት ንምምንጣል ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብውሽጥን ደገን ተወሃሂዶም እቲ መስርሕ ለውጢ በዳሂ ከምዝኸውን ኣብ ምግባር ይርከቡ ኣለዉ ኢሉ።

ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ብተወሳኺ፥ ናይ ኦሮሞ ብሄረተኝነት ዝልካዕ ብሽም ህዝቢ እናመሓልካ ንሃብቲ ህዝቢ ብምብዝባዝ ዘይኮነስ፥ ነቲ ዘሎ ዕድል ብምሉኡ ተጠቒምካ፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ንቕድሚት ምስግጋር`ዩ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንኦሮሞ ክብድሉን ክምዝምዙን ዝጸንሑ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኦሮሞ ንዝመልመልዎም ኣፍራስ ይጋልብዎም ኣለዉ ብምባል ንሕወሓትን ኦነግ ሸኔን ጠቒሱ።

ብዛዕባ`ዚ ካብቶም ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጸውዖም ወገን ዝተረኽበ መልሲ የለን፥ ንሕወሓት ብዝምልከት ግን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ`ቲ ውድብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፥ ንሕና ኣብ ናይ ውሽጣዊ ጉዳይኩም ኢድ የብልናን፥ ንዓና ከም ምኽንያት ክትጥቀሙልና ኣይትፈትኑ ዝብል መልሲ ሂቡ`ሎ።

ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም፥ ጸገማት ክፍጠሩ ከለዉ ናብ ካልኦት ኣጻብዕትኻ ካብ ምውጥዋጥ ናብ ውሽጥኻ ብምርኣይ ፈውሲ ክርከብ ይክኣል`ዩ ኢሎም። ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝማኸር ሃገራዊ መረዳድኢ የድሊ`ውን ኢሎም።

​እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ባይቶ ክልል ኦሮሚያ፥ ዝተፈላለየ ናይ ሽመት ምልውዋጥ ብምግባርን ናይ ዝመጽእ ዓመት ባጀት ብምጽዳቕን ተዛዚሙ’ ተዛዚሙ’ሎ።

XS
SM
MD
LG