ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ቃለ-ምስክርነት ንላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ንዝተሰየመት ኤሚ ኮኒ ባረት ይሰምዕ


ኣብዚ ሰሙን'ዚ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ሕጊ ኣሜሪካ ፥ንላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ንዝተሰየመት ኤሚ ኮኒ ባረት ንምጽዳቕ ቃለ-ምስክርነት ኣብ ምስማዕ ይርከብ።

ስልጣን ደያኑ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንዕድሚኦም ምሉእ ስለዝኾነን ልዑል ሓይሊ ስለዝህልዎምን፡ ነቲ ቦታ ንምሓዝ ዝካየድ ቃልሲ ፥ ዋና ትኹረት ፕረዚደንት ትራምፕን ኣንጻሮም ዝወዳደሩ ጆ-ባይደንን ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጎዲሉ ንዘሎ መንበር ንምምላእ ዝካየድ ግድል`ዩ። ነቲ ቦታ ክትሕዝ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተሰየመት ዓቃባዊት ዳጃ ኤሚ ኮኒ ባረት መዝነታ ብሰነት ክጸድቐላ ኣለዎ- ስለዚ ኣብዚ ሰሙን`ዚ እዚ ናይ ምጽዳቕ ወይ ናይ ምንጻግ መስርሕ`ዩ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ኣሜሪካ'ዩ።

ብደሞክራት ኣባላት ሰነት- ንውጽኢት እዚ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክጸሉ ኣብ ዝኽእል ጉዳያት ኣብ ምፍራድ `ነብስኺ መግለልኪ`ዶ` ዝብል ወጣሪ ሕቶ ዝርከቦ።

"ንነብሰይ ካብቲ ጉዳይ ምግላልን ዘይምግላልን ንምውሳን፥ እቶም ካልኦት ደያኑ ኣብ ቅድመይ ዘምጽእዎ ረቛሒታት እየ ዝትግብር። ብዛዕባ ዝገብሮ ውሳነ ግን ሕጂ ሕጋዊ ድምዳመ ክህብ ኣይክእልን`የ "ክትብል ኤሚ ትምልስ​።

ዓቃባውያን ደያኑ ምስያም ኣገዳሲ መብጽዓ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጎስጓስ ምርጫ`ዩ። መበዛሕቲኡ ግዜ ድማ ብስነ-ሓሳባዊ ትርጉሙ`ዩ ዝቓንዮ።

"ጆ ባይደንን ደሞክራትን ስልጣን እንተሒዞም፥ ንላዕላዋይ ቤት-ፍርዲ ብጽንፋውያን ሰዓብቲ ጸጋማይ ክንፊ ክመልእዎ`ዮም። ከምኡ እንተገይሮም ድማ ንብዝሑነት ህዝቢ ኣመሪካ ናብ ዘይንፈልጦ ደረጃ ክልውጥዎ እዮም።"

ርእይቶኦም ዝተሓተቱ ኣድመጽቲ ብዝህብዎ ቁጽሪ ዝምራሕ ዘሎ ትራምፕ፥ ሕጹይ ደሞክራት ጆ ባይደን ክስዕሮ ዝኽእል፥ እቲ ምርጫ እንተተደናጊሩ ጥራይ`ዩ ዝብል ሓሳብ ይደጋግም`ዩ።

ሕጂ ኣብ ባይቶ ሰነት ቀሪባ ዘላ ዳኛ ኤሚ ባረት ቀልጢፉ ክጸድቀላ ትራምፕን ሪፓብሊካን ፓርቶምን ዝደፍኡ ዘለዉ፡ ድሕሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝውሃብ ብይን ንዕኦም ዝድግፍ ክኸውን ንምግባር ዝእምት`ዩ ዝብል ክኢላ ሕገመንግስቲ ኣዳም ዋይት ፡ ሹመታ ምስ ጸደቐላ ግን ሹመታ ንቤትፍርዲ`ምበር ንትራምፕ ወይ ንዝኾነ ካልእ ወገን ከምዘይኮነት ክተምስክሮ ዝግባእ ደመና `ዮም ዝፈጥሩላ ዘለዉ ይብል ።

ባረት እንተጸዲቑላ፥ ካብ መንጎ`ቶም ትሸዓተ ደያኑ ላዕላዋይ ቤትፍርዲ፥ ሽዱሽተ ብሪፓብሊካን ፕረዚደንትታት ሰለስተ ድማ ብደሞክራት ዝተሸሙ ክኾኑ`ዮም።

ባይደን እንተስዒሩ ኣብ ክፍሊ ፍትሒ ናይ ስነ-ሓሳብ ሚዛናውነት መታን ክህሉ ብዝብል ናብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ተወሰኽቲ ደያኑ ከእቱ ገለ ደሞክራት ይጽበይዎ። ሪፓብሊካን ድማ ነዚ ብብርቱዕ ይቃወምዎ። ቁጽሪ ድያኑ ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ካብ 1869 ጀሚሩ ትሸዓተ `ዩ ጸኒሑ- ሽሕ`ኳ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጠ ቁጽሪ እንተዘይሃለወ ኢሎም ይምጉቱ።

ሕጹይ ደሞክራት ጆ ባይደን፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ብሓደ ፓርቲ ክዕብለል ከምዘይድግፍ ይግለጽ`ምበር፡ ዝያዳ ግን እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ ግዜ ኦባማ ዝያዳ ዝወጸ ንኣመሪካውያን ዝያዳ ዕድል ዘስፍሕ ሕጊ ውሕስነት ጥዕና/ Affordable Care Act/ ከይግልብጦ ደሞክራት ብዛዕባ ዘለዎም ሻቕሎት`ዩ ኣተኩሩ ይጉስጉስ።

" እዛ ተሰይማ ዘላ ዳኛ፥ ንAffordable Care Act ክተውድቖ ከም እትደሊ ተዛሪባ`ያ። እዚ ፕረዚደንት ድማ ን Affordable Care Act ክውድቕ ዝደሊ`ዩ።​ "

ብፕረዚደንት ትራምፕ ተሰይማ ፥ ናብቲ ሹመት ዘጽድቕ ሰነት ማለት ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ቀሪባ ዘላ ኤሚ ኮኒ ባረት ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኦባማኬር ኮነ ኣብ ካልኦት ከም ምውራድ ጥንሲን ምምርዓው ተመሳሳሊ ጾታን ዝበሉ ፖለቲካዊ ፈላላይቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ጉዳያት ኣጀንዳ የብለይን ኢላ`ላ።

XS
SM
MD
LG