ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ንሓገዝ ዩክሬን ዝውዕል መጠን ገንዘብ ብዝምልከት ድምጺ ክህብ'ዩ


ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ንወታሃደራውን ሰብኣውን ሓገዝ ዩክሬን ዝውዕል 33 ቢሊዮን ዶላር ንምሕጋዝ ሎሚ ሰሉስ ድምፂ ክህብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ቅድሚ እቲ ምሃብ ድምፂ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምምሕዳሮም ካብ መኽዘን ፔንታጎን ኣፅዋርን ካልኦት ወታሃደራዊ መሳርሒታትን ናይ ምልኣኽ ስልጣኖም ኣጋ ምፅንቃቑ እዩ ኢሎም።

ባይደን ወታሃደራዊ ናውቲን ቀረባትን ናብ ዩክሬን ብቕልጡፍ ንምልኣኽ ዘኽእሎም ስልጣን ዝህቦም ካልእ ሕጊ ትማሊ ሶኑይ ፈሪሞም ኣለው።እዚ ፕሮግራም እዚ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሃገራት ኣውሮጳ ኣንፃር ናዚ ክገጥማ ሓገዝ ክረኽባ ዘኽእለን ሕጊ እዩ።

እዚ ሓዱሽ ሕጊ መራሒ ኣመሪካ ምልኣኽ መሳርሕታት ብዝምልከት ንገሊኦም ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ከበድቲ ናይ ዋሽንግተን ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓታት ብምሕላፍ ምስ ዩክሬንን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳን ብቕልጡፍ ስምምዕ ክገብሩ ዘኽእሎም እዩ።

ኣብ ዝተኸፋፈለ ናይ ዋሽንግተን ፖለቲካ ብዙሕ ሓድነት ዘይርእይ ኮንግረስ መንግስቲ ዩክሬን ኣንፃር ሓይልታት ሩሲያ ተካይዶ ንዘላ ኲናት ሓገዞም ንምርኣይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓባራዊ ድምጺ'ዮም ሂቦም።

XS
SM
MD
LG