ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ልዕሊ 40 ቢልዮን ዶላር ንሓገዝ ዩክሬን ክወሃብ ኣጽዲቑ


ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ልዕሊ 40 ቢልዮን ዶላር ንወትሃደራዊን ሰብኣዊን ሓገዛት ዩክሬን ክውዕል ትማሊ ሰሉስ ወሲኑ ኣሎ። ሰነት ኣመሪካ’ውን ብተመሳሳሊ ነዚ ውሳነ’ዚ ከሕልፎ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ቅድሚ ክልተ ወርሒ 13.6 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንዩክሬን ምልጋሱ ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተወሳኺ 33 ቢልዮን ዶላር ንክፍቀድ ምሕታቶም እቲ ዜና ይጠቅስ።

እዚ ዳሕረዋይ ሓገዝ ይዋሃብ ዘሎ፣ ዩክሬን ወትሃደራዊ ድጋፍ ንክትረክብ ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ንዝሓለፈ ውሳነ ስዒቡ እዩ።

XS
SM
MD
LG